The following text field will produce suggestions that follow it as you type.

ህልኽ ተስፎምን ሃብቶምን-Tesfom & Habtom's Rivalry (Tigrinya Edition): ቀዳመይቲ መጽሓፍ-1st Book
ህልኽ ተስፎምን ሃብቶምን-Tesfom & Habtom's Rivalry (Tigrinya Edition): ቀዳመይቲ መጽሓፍ-1st Book

ህልኽ ተስፎምን ሃብቶምን-Tesfom & Habtom's Rivalry (Tigrinya Edition): ቀዳመይቲ መጽሓፍ-1st Book

Current price: $24.99
Loading Inventory...
Get it at Barnes and Noble

Size: OS

Get it at Barnes and Noble
እዚ ዛንታ ብዛዕባ ካብ 1952 ዓ ም ጀሚረን ክሳብ 1973 ኣብ ኣስመራ ን21 ዓመታት ዝቕመጣ ዝነበራ ክልተ ስድራ ቤታት'ዩ ዘዘንቱ። ተስፎምን ሃብቶምን ካብ ክልተ ጎረባብትን ደቂ ሓደ ዓዲን ዝኾኑ፣ ግራዝማች ስለጠነን ባሻይ ጎይትኦምን ዝበሃሉ ወለዲ ዝተወለዱ እዮም። ከም ጎረባብቲ ብሓንሳብ ሓመድ እናቛሓሙን እናተጻወቱን፣ ኣብ ሓደ ቀጽሪ እዮም ዓብዮም። ከም ኩሎም ቆልዑ ኸኣ እናተመሓዘውን እናተጻልኡን፣ ሓንሳብ ፍትው ሓንሳብ ጽልእ እናተበሃሃሉ ዓበዩ። ኣብ ዕድመ ናይ ትምህርቲ ምስ በጽሑ ኸኣ፣ ብናይ ደረጃ መነባብሮ ፍልልያት ተስፎም ትምህርቱ ክቕጽል ከሎ፣ ሃብቶም ግን ንስድራ ቤቱ ክሕግዝ ትምህርቱ ኣቋሪጹ ናብ ስራሕን ንግድን ዓለም ተዋፈረ። ክልቲኦም ሰብኡት ምስ ኮኑን፣ ተመርዕዮም ሓዳር መስሪቶም ኣብ ውላድ ምስ በጽሑን፣ እንደጌና ክራኸቡ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ረኸቡ። በዚ ምኽንያ'ዚ ክቀራረቡ ምስ ጀመሩ ኸኣ፣ ኣብ ልዕሊ ናይ ቀደም መዕበያኦምን ጉርብትናኦምን፣ ፍቕሪ ወለዶም ተወሲኹዎ፣ ናብ ሽርክነትን ብልግና ምትሓሓዝን በቕዑ። ኣብቲ ሓድሽ ዝመስረትዎ ሓዳርን ናብራን ከኣ፣ ንሳቶም መሳርሕትን ጎረባብትን፣ ኣንስቶም መድህንን ኣልጋነሽን ከኣ፣ መሓዙትን መማኸርቲን፣ ብተወሳኺ ደቆም'ውን መማህርትን መጻውትን ክኾኑ ኸኣሉ። እዚ ናይዘን ሓደስቲ ዝተመስረታ ክልተ ስድራ ቤት ጉርብትና፣ ነቲ ዝነበረ ርክብ ብዝያዳ ኣቀራረቦን ኣርጎዶን። በዚ ዕድል'ዚ ተጠቒሞም ከኣ፣ ቆልዑን ኣንስትን ኣዝዮም ፍሉይ ምቅርራብን ፍቕርን ክምስርቱ በቕዑ። ደቆምን ኣንስቶምን ጥራይ ዘይኮኑ ኣሕዋት ተስፎምን ሃብቶምን ኣርኣያን ደርማስን'ውን ከይተረፉ መሳርሕቶምን ሓገዝቶምን ክኾኑ በቕዑ። በዚ ኸኣ ዓበይቲ ወለዲ ተሓጎሱን ተሓበኑን። ከምዚ'ሎም ብኹሉ ኹሉ እናተመሓየሹን እናሰሰኑን ክስጉሙ ጀመሩ። ከምዚ ኢሎም ካብ ዓወት ናብ ዓወት እናተሰጋገሩ ኸለው፣ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ስድራ ቤታት ብሓፈሻ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ሞንጎ ተስፎምን ሃብቶምን ዘምስናይን ዘይምቅዳውን ክኽሰት ጀመረ። ብሰላምን ብቐሊሉን ክፍታሕ ዝኽእል ዝነበረ ግርጭት፣ ናብ ከቢድ ጽልእን ቂምታን ዓረገ። እዚ ባእስን ጽልእን'ዚ፣ ንኽልቲኡ ስድራ ቤታትን፣ ኣንስቶምን ቆልዑቶምን ኣናወጾም። እዚ ነዊሕን ዝተሓላለኸን ዛንታ'ዚ፣ ካብ ክልተ ዝተፈላለየ ጠባይን ባህርን ስምዒትን ድኽመትን ነቒሎም፣ ብጽልእን ቂምታን ድኽመትን ዓዊሮምን ተሰኒፎምን እቲ ሕምቀቶም ድኽመቶምን፣ ንኣኣቶምን ንሙሉእ ስድራ ቤቶምን ዘስዓበሎም ነውጽን፣ ዘኸተሎ ሓርጎጽጎጽን ክሳራን ሃስያን ዘዘንቱ ዛንታ'ዩ።
Powered by Adeptmind